
ንኽብላዕ ዝጓሲ እሙን ጓሳ
ጓሳ ኣባጊዕ ንኣባጊዑ ኣዝዩ ይሓልየለን፡ ንከይጠምያ ናብ ልሙዕ ሸኻ፡ ንከይጸምኣ ናብ ወሓይዝ ሩባ እናወሰደ ይጓስየን። ተኹላ ክበልዐን እንተ መጽአ ድማ ይከላኸለን። እዚ ኩሉ ዝገብረለን ግን ንሱ ባዕሉ ንኽበልዐን ኢሉ እዩ። ካብአን ሓሊቡ ጸባ ይሰቲ፡ ሓሪዱ ከኣ ይበልዐን። እንተ ሸጠን 'ውን በቲ ገንዘብ ይኽደንን ይበልዕን። እምበኣር እዚ ኩሉ ዝከናኸነን ካብ በላዒ ዘድሕነን ንባዕሉ ንክበልዐን ኢሉ እዩ።
እቲ ኣማናዊ ሕያዋይ ጓሳና መድሐኔዓለም ክርስቶስ ግና ንዓና ንምእመናን ኣባጊዑ፡ ንጥሜትና ብቅዱስ ሥጋኡ እናዓንገለ፡ ንጽምእና ብክቡር ደሙ እናኣርወየ ይጓስየና። ካብቲ ኩሉ ግዜ ንክውሕጠና ዝጓዝም ጸላኢና ዲያብሎስ ድማ ብምሕረቱ ይሕልወና። ካብ ደቂቅ ናብ ሰዓት፡ ካብ ሰዓት ናብ መዓልቲ፡ ካብ መዓልቲ ናብ ሰሙን፡ ካብ ሰሙን ናብ ወርሒ፡ ካብ ወርሒ ናብ ዓመት ብምሕረቱ እናሰጋገረ ድማ ንንስሓ ዝኸውን ዕድመ ይውስኸና።እቲ ህያው ቃሉ ከምዚ ይብል፡ "ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፡ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣሕሉፉ ይህብ።" (ዮሐ.10፥11 )
ስለዚ ንሕና ከምተግባራትና ዘይኮነ ብምሕረቱ ዝከበርና መጓሰ ኣባጊዕ እግዚአብሔር ኢና። እቲ ሕያዋይ ጓሳና መከራና ተቀቢሉ ህይወቱ በጃና ኣሕለፈ። ካብ ውድቀትና ተንሲእና ብንስሓ ክንሕጸብ ድማ ክሳዕ ኣብዛ ዕለት እዚኣ እትጸንሕን እስትንፋስ ሃበና። ስለዚ ስለዚ ምእመናን ውዕለቱ ዘኪርና ስሙ ኣምስጊና ናብ ንስሓ ንቅረብ። እግዚአብሔር ዝጓስየና ከምቲ ጓሳ ኣባጊዕ ካባና ስለዝረብሕ ዘይኮነ ንሕና ካብ ኮንትነትን ሓጢኣትን ወጺእና በረኸትን ጽድቅን ክንረብሕን ዘልኣለማዊት መንግስቱ ክንወርስን እዩ'ሞ፡ ጉዕዞ ሰማያት ከይበላዕካን ከይሰተኻን ስለዘይከኣል ቅዱስን ክቡርን ስንቂ ንማላእ።
"እቲ ሥጋይ ዝበልዕል ደመይ 'ውን ዝሰቲ ናይ ዘልዓለም ህይወት ኣላቶ።" ( ዮሐ.6፥54 )
ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ ቅዱስን !
ኣዳላዊ ፦ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ቤ/ክ ደብረ ሰላም መድኃኔዓለም ኣ/ኣ (Amsterdam)