ስምካ ኣብ ምድሪ ከይጸሓፍ ተጠንቀቅ!

ጎይታናን መድሐኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘመነ ስጋዌኡ ካብ ዝመሃረና ሓደ ካብ ዓበይቲ ትምህርትታት ሓጢኣትና ከይረኣና ብዛዕባ ናይ ካልኦት ሓጢኣት ክንፈርድ ከምዘይብልና እዩ። ፍቁረ እግዚእ ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ወንጌሉ ካብ ዝጸሓፎ ብዛዕባ እታ ክትዝሙ ዝተረኽበት ሰበይቲ እስከ ንመልከት። እቲ ቃል ከምዚ ይብል። "መምህር እዛ ሰበይቲ እዚኣ ክትዝሙ ከላ ተታሒዛ ከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ክትቅተል ሙሴ ኣዚዝና ኣሎ፡ ንስኻ ኸ ብዛዕብኣ እንታይ ትብል ፧ በልዎ። ዮሐ፡ 8፡ 4-5

Lees meer »

ኣቦና ደሓን ኣሎ ንሕና ግን

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዮሴፍ ወዲ ያዕቆብ ብኣሕዋት ናብ ግብጺ ተሸይጡ ምስ ከደ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኣሕዋቱ ኣብ ዓዶም ጥሜት ኮይኑ ስንቂ ከምጽኡ ናብ ግብጽ ከምዝከድዎ እሞ ንሱ ድማ ኣሕዋቱ ምኳኖም ምስ ኣረጋገጸ "እቲ ሽማግለ ኣቦኩም ከመይ ኣሎ ኽሳዕ ሎም ዶ ብህይወት ኣሎ፧" ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ ሓዎም ምኳኑ ከየስተውዓሉ ኣቡና ደሓን ኣሎ፡ ኢሎም መለሱ። ዘፍ. 43፡27ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ናብ ጻድቅ ኣቡነ ኣረጋዊ ንምብጻሕ ናብ ደብረ ዳሞ ኣብ ዝከደሉ ግዜ ነቶም ኣርድእት ናይ ጻድቅ ኣቡነ ኣረጋዊ ብተመሳሳሊ ቃል፡ እቲ ኣረጋዊ ኣቦኹም ከመይ ኣሎ ፧ "ዳኅንኑ ዝስኩ ኣረጋዊ ኣቡክሙ" ኢሉ ሓተቶም። እዚ ቃል ናይ ቅዱስ ያሬድ ግን ግዝያዊ ሕቶ ኮይኑ ኣይተረፈን። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማኅሌት ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ እናዘየመቶ ንዘልኣለም ትነብር ኣላ። እምበኣር እዚ ሕቶ ናይ ማኅሌታይ ቅዳስ ያሬድ ናባና በጺሑ ኣሎ። መልስና ብርግጽ ከምቲ እቶም ቀዳሞት ዝተሓቱ ሰባት ዝመለስዎ ኣቦና ደሓን ኣሎ፡ ኣቦና ብህይወት ኣሎ ዝብል'ዩ ክኸውን። ምክንያቱ ኣቦና ጻድቅ ኣረጋዊ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ ንእግዚአብሔር ዘስመረ ፈታው ኣምላኹ ኣምላኹ ዘኽበሮ ክሳዕ ዕለተ ሎም ውን ሞት ዘይረከቦ ብህይወት ተሰዊሩ ዝነብር ዘሎ እዩ። ካብዚ ንላዕሊ እሞ እንታይ ደሓን ኣሎ፧ ስለዚ ኣቦና ደሓን ኣሎ። ብህይወት ውን ኣሎ። ኣቦናስ ደሓን ኣሎ ንሕና ግን ከም ደቂ ያዕቆብ ኣሕዋትና ብተንኮል ንሸይጥ፡ መግቢ ስጋ ክንምእርር ኣብ ትሕቲ ፈርኦናት ንግዛእ ኣለና። ኣቦና ጻድቅ ኣረጋዊ ብሰናይ ተግባሩ እግዚአብሔር መሪጽዎ ካብ ሞት ተሰዊሩ። ንሕና ግን ብእከይ ግብርና ካብ ኣቦና ተሰዊርና ንነብር ኣለና። ኦ ጻድቅ ኣቦና ኣረጋዊ ንሕና ደቅካ ብሓጢኣትና ንዝሃነጽናዮ እምባ ብጸሎትካ ዳህምሞ፡ ከምቲ ዮሴፍ ካብ ንጉስ ፈርኦም ኣማሊዱ ንኣሕዋቱ ዝዓንገለ፡ ንዓና ደቅኻ ካብቲ ናይ ነገስታት ንጉስ ዝኮነ መድኃኔዓለም ብቅዱስ ስጋኡን ብክቡር ደሙን ክንዕንገል ኣማልደልና።

Lees meer »

ጎይታ ካብ ቢታንያ ከይተመልሰ ቤት መቅድስ ነጽርያ

ጎይታናን መድሐኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ስጋዌኡ ኣብ ዘመነ ስብከቱ ብግብሪ ካብ ዝመሃረና ትምህርቲ ሓደ ምጽራይ ቤት መቅደስ እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ግን ብዛዕባ እታ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቤት መቅደስ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብቀዳምነት ብዛዕባ እታ ቤት መቅደስ እግዚአብሔር ዝተሰምየት ሰብነትና ምኳኑ ምስትውዓል የድሊ።"ኢየሱስ ኣብ ኢዮሩሳሌም ኣብ ቤት መቅደስ ኣተወ፡ ንኩሉ ግልጽ ኢሉ ምስ ጠመቶ፡ መስዩ ነበረ እሞ ምስቶም ዓሰርተ ክልተ ደቂ መዛምርቱ ናብ ቢታንያ ወጽአ። ማር.11፡11ጎይታናን መድሐኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኩሉ ዝምርምር ንምርኣይ ይኩን ንምስማዕ ናብ ዝኮነ ምኻድ ዘይደሊ እኳ እንተ ኮነ፡ ንዓና ንምምሃር ግን ናብ ኢዮሩሳለም ከይዱ ንኩሉ ርእዩ ዝኮነ ቃል ከይተዛረበ ናብ ቢታንያ ወጽአ። ጎይታይ ሎምስ ኣብታ ቤተ መቅደስ ዝተሰምየት ነብስና ምስ ጠመትካ እንታይ ኮን ርኢካ ትኸውን፧ ክንደይ ናይ ሓጢኣት ኣቅሑት ክንሸይጥ ጸኒሕናካ ንኸውን፧ ክንደይ ዝኮኑ ናይ ፖለቲካ ኣብዑር፡ ክንደይ ናይ ዓሌትነት መልእክቲ ዘብጽሓ ረጋቢት፡ ክንደይ ናይ ወረን ሕሜታን ዘሽርፍ ሰደቃታት ጸኒሕካ ይኸውን፧ ወንጌላዊ ቅዱስ ማርቆስ ቀጺሉ "ጎይታ ኢየሱስ ናብ ኢዮሩሳሌም ከምዝተመልሰን ነቶም ኣብ ቤት መቅደስ ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝጸንሕዎ ድማ ንኩሉ ንብረቶም ደንኪሉ ንቤት መቅደሱ ኣጽርዩ ቤተይ ቤት ጸሎት እያ ኢሉ ከምዝመሃሮም ብሰፉሒ ይገልጽ። ማር. 11፡ 15 -17ኦ ጎይታ ከምቶም ሰብ ኢዮሩሳሌም ትዕዝብትኻ፡ ከየስተውዓልና ብንስሓ መቅደስና ከየጽሬና ከይንጸንሕ ብምሕረትካ ርድኣና፡ ንጹህ ልቢ ብፍጠረልና። ከምቲ ሊቀ ሃዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ለይቲ ሓሙስ ግልጽ ኢልካ ምስ ጠመትካዮ ንምጥማትካ ኣስተውዒሉ፡ ብቅጽበት ብብዙሕ ሓዘንን ንብዓትን ንስሓ ዝኣተወ እሞ ዝተማሕረን ብዓጸፌታ ዝከበረን፡ ንምጥማትካ ኣስተውዒልና ንስሓ ክንኣቱ፡ ብምሕረትካ መንግስትኻ ክንወርስ ኣዕንተ ልቦናና ኣብርህ።

Lees meer »

ኣብ ጥሉል ደብሪ መለኮታዊ ብርሃን

ኣብ ደብረ ታቦር ዝተገልጸ መለኮታዊ ብርሃንን ክብሪ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ብምዝካር ዓመት መጸ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብቶም ዓበይቲ በዓላት ጐይታ ብምባል ብ13 ነሓሰ ይበዓል። እዚ በዓል እዚ ብኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብፍሉይ እዩ ዝኽበር።

Lees meer »

ሰሙነ ሕማማት ሰኑይ: ቤተ መቅደስ ኣንጺሁ ንበለስ ረገማ!

ኪርያላይሶን ኪርያላሶን ኪርያላሶንሰሙነ ሕማማት ክርስቲያን ነፍሲ ካብቲ ብሃንቀውታ እትጽበዮም መንፈሳዊ ወቅትታት ብቀዳምነት ይስራዕ። ኣብ ሰሙነ ሕማማት ወጣንያን ይኹኑ ብመንፈስ ዝዓበዩ ኣብ ጽሙድ መንፈሳዊ ተጋድሎ ይቅንዩ። ቅዱስ ውዕለት ጐይታ የስተንትኑ።

Lees meer »

ክብረ በዓል ጥንተ ስቅለት 2025/፳፻፲፯ ብክብ ዝበለ፡መንፈሳዊ ኣገባብ ተባዒሉ!!

ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድስ ከተማ ኣምስተርዳም እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ሰላም መድሐኔ ዓለም ሓንቲ ካብተን ኣብ ሃገረ ንግሥነት ኔዘርላንድስ ዘለዋ ናይ ኤርትራ፡ ኦርቶድክስ ተዋህዶ ክትከውን እንከላ፡ ብዕለት 27 መጋቢት (ብግእዝ ) ብምኽንያት ጥንተ ስቅለት ጐይታናን መድሐኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ዓመታዊ ክብረ በዓል ተባዑሉ። ኣብ መዓልታዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብዝልዓለ ደረጃ "ንዜኑ ሞተከ እግዚኦ" እናተባህለ ስቅያት ጐይታ ምዝካር ዘየቋርጽ ኣስተንትኖን ምሥጋናን ዝወሃቦ እኳ እንተኾነ፣ ትማሊ ድማ ንመበል 1984 ግዜኡ "ዘበእንቲአሃ ለቤተ ክርስቲያን ተጸፋዕከ ውስተ አውድ" ኢሉ ብዋዜማ፡ "ስቡሕ ወውዱስ" ኢሉ ብማኅሌት፡ "ቅዱስ ኢሉ ብጸሎተ ኪዳን" ፡ አሐዱ ኢሉ ብጸሎተ ቅዳሴ፡ መርኅ በፍኖት ሞገሶም ለጻድቃን" ኢሉ ሥርዓተ ዑደት እግዚኦ መሐረነ ክርስቶስ ኢሉ ብጸሎተ ምህላ ተዛዚሙ።

Lees meer »

ሰሙነ ህማማት

ሰላም እግዚአብሔር ምስ ኩልና ይኩን።እዚ እንሰደልኩም ዘለና ናይ ሕማማት ዘለና መርሓ ግብር ኮይኑ፡ ካብ ሕጂ ኣብ ስራሕ ዘለና ይኹን ኣብ ትምህርቲ ዘለና መደባትና ክንሰርዕ እቶም ፍቃድ ምሕታት ዘድልየና ድማ ካብ ሕጂ ፍቃድ ሓቲትና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውዒልና በረከት ንረኽበሉ ባይታ ከነጣጥሕ ንምባል እዩ።

Lees meer »

ናይ ዘመና ዮናስ ኣበይ ኣሎ

እቲ የዋህ ነቢይ ዮናስ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ ግዜ ገንዘቡ ከፊሉ ናብታ ናብ ተርሲስ ( ስፐይን) እትኸይድ ዝነበረት መርከብ ደየበ። ዮናስ የዋህ ስለዝኾነ ካብቲ ንሰማይን ምድርን ኣብ ኢዱ ዝጨበጠ እግዚአብሔር ክሃድም ሓሰበ፡ እዚ ድማ የዋህ ከስምዮ ይክእል። ነቢይ ዮናስ እታ መርከብ ብሰንኩ ማዕበል በርቲዕዋ እናተናወጸት ንሱ ግን ኣብ ውሽጣ ደቂሱ ነበረ። ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ 'ውን ብሰንክና እታ ኣማናዊት መርከብ ቤተ ክርስቲያን እናተናወጸት ኣብ ውሽቲ ቤተ ክርስቲያን ደቂስና ዘላና ክንደይ ንኸውን፧ እታ ነቢይ ዮናስ ዝነበራ መርከብ ንክትናወጽ ዝገበራ፡ ናብ ምጥሓል ውን ዘቅረባ ክብደት፡ እቲ ዮናስ ዝሰርሖ ሓጢኣት እምበር፡ ክብደት ንብረት ወይ ተሳፈርቲ ኣይነበረን። ምክንያቱ ቅድሚ ንዮናስ ናብ ባሕሪ ምድርባዮም ንብረት ከቢድዋ ከይከውን ብምባል ብዙሕ ንብረት ናብ ባሕሪ ደርዮም እዮም፡ ማዕበል ግን ኣይሃድአን።

Lees meer »

ቅዱስ እምባ

ደብረ ታቦት ሓንቲ ካብተን ትሽዓተ ዓበይቲ በዓላት ጎይታ ዝበሃላ እያ። ኣብዛ ዕለት እዚኣ እግዚአብሔር ወልድ ክብሩ ዝገለጸልና፡ ጸሎት ኩሎም ቅዱሳን ውን ዝተመለሰላ እያ። ነቢይ ሙሴ ገጽ እግዚአብሔር ክርኢ ኣብ ዝሓተተሉ፡ ንእግዚአብሔር ብድሕሪቱ እምበር ብቅድሚቱ ክርእዮ ኣይተፈቅደሉን ነበረ። (ዘፀ.33፡23) እዚ ማለት ድማ ንጎይታ ብምስጢረ ተዋህዶ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ድሕሪ ምኳኑ እምበር ብቅድሚኡ ክርእዮ ከምዘይክእል እዩ ዝገልጽ። ድሕሪ ነዊሕ ዘመን እምበርኣር ሕቶ ነቢይ ሙሴን ሕቶ ኩሎም ኣበው ቀደምትን ኣብ ደብረ ታቦር ንሙሴ ኤልያስን ብውክልና ጸዊዑ መለሰሎም። ገጹ ኣርኣዮም ምስኡ ድማ ተዘራረቡ። (ማቴ፡ 17፥3) ደብረ ታቦር መድኃኔዓለም ክርስቶስ ኣባና ዘለዎ ፍቅሪ ዝገለጸላ ቅድስቲ እምባ እያ። እዛ ዕለት እዚኣ ኣማኑኤል ኣምላኽና ምስጢረ መንግስቱ ዝገለጸላ ኣዝያ ክብርትን ቅድስትን ዕለት እያ። እዛ ደብረ ታቦር ዝተባህለት እምባ ድማ ብዙሕ ምስጢርን ፍቅርን ዝተገልጸላ እምባ ስለዝኮነት ታሪኻዊትን ዝተባረኸትን እምባ እያ። እቲ ብትሕትንኡ ዝልለ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ነዛ እምባ ክዝኽራ እንከሎ፡ "ቅዱስ እምባ" ክብል ዘኪርዋ። (2ይ ጴጥ. 1፡18 )ኣብ ደብረ ታቦር ሕቶ ናይ'ቶም ዝኣምንዎን ዝጽበይዎን ዝነበሩ ነቢያት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሕቶ ናይ'ቶም ተጠራጠርቲ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብጥርጠራ ገሊኦም ኤርሚያስ ገሊኦም ኤልያስ ገሊኦም ሓደ ካብ ነብያት እዩ ዝብልዎ ዝነበሩ ውን ተመሊሱ እዩ። (ማቴ፡16፡14)እግዚአብሔር ወልድ ንሱ ሓደ ካብ ነቢያት ዘይኮነስ ኣምላከ ነቢያት ምኳኑ ከረጋግጸሎም፡ ንሙሴ ካብ ብሄረ ምዉታን ንኤልያስ ድማ ካብ ብሄረ ህያዋን ጸዊዑ ኣብ ደብረ ታቦር ኣዘራረቦም። እቲ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቱው ወደይ ንሱ እዩ ዝብል ድምጺ ናይ እግዚአብሔር ኣብ ድማ ካብ ሰማይ ኣማኑኤል ወዲ ህያው ኣምላክ ምኳኑ መስከረ። ብክርስቶስ ዝኸበርኩም ኣንበብቲ እዛ ዕለት እዚኣ ብህይወት ንዘለዉ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዝሙቱ ከይተረፈ ሕቶ ደቂ ሰባት ዝምለሰላ ዕለት እያ። ስለዚ ንእግዚአብሔር ሕቶና ብጸሎት ከነቅርበላ ይግባእ። ንሱ ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና ኢልኩም ጸልዩ፡ ኣቦና ኢልኩም ጸውዑኒ ኣነ ድማ ውሉደይ ክብለኩም እየ ስለዝበለና፡ ከም ውሉድ ንወላዲኡ ከይተሰከፈ ድሌቱ ዝሓቶ እሞ እቲ ወላዲ ከኣ ዝጠቅሞ ዝህቦ፡ ንሕና 'ውን ድሌትና ብጸሎት ክንሓትት ይግባእ እዩ። እግዚአብሔር ድማ ብርግጽ ዘድልየናን ዝጠቅመናን ኣብ ግዜኡ ክህበና እዩ። ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ወላ ኣብ ዝጋገየሉ ግዜ ካብ ጌጋኡ ክምለስን ዝምዕዶን ዝጽበዮን እምበር ዘይጸልኦን ዘይሰጎን፡ እግዚአብሔር ውን ንዓና ብንስሓ ካብ ጌጋና ክንምለስ ደኣ ይጽበየና እምበር ፈጺሙ ከምዘይጸልኣና ኣሚና፡ ብንስሓ ክንምለስ ይግባእ። በረኸት ናይ ኣብ ፍትወት ናይ ወልድ ሃብቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኩን። ኣሜን!

Lees meer »

ክብረ በዓል ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል ዳግማዊ ሙሴ

ኣብዚ ዕለት 19 ጥቅምቲ በዓለ ዕርፍቲ ጻድቅ ኣቡነ ሰይፈሚካኤል እዩ። ኣቡነ ሰይፈሚካኤል ኣብ ሃገርና ኤርትራ መስራቲ ገዳም ጻዕዳ እምባ ስላሴ እዮም። ኣብዚ ገዳም ድማ ኣብዚ ዕለት በዓለ ዕረፍቶም ብዓቢ ድምቀት ይክበር። ካብ ምሉእ ሃገር ብዝመጹ ነጋዶ ይምዕርግ። እዚ ገዳም ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ስለዝንገድ እቲ ቀዳማይ ሥላሴ ሓምለ ክከውን እንከሎ ካልኣይ ድማ ኣብ ዕለት 19 ጥቅምቲ ዝክበር ዕረፍቲ ጻድቅ ኣቡነ ሰይፈሚካኤል ዝዝከረሉ እዩ። ነዚ ክብረ በዓል ፍልይ ዘብሎ ድማ ዝበዝሑ ነጋድያን መንእሰያት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ተማሃሮ ኮለጃትን ምዃኖም እዩ። https://youtu.be/jLpPoahbQsA?si=MfoRS9y-7Ybb-abAኣቡነ ሰይፈሚካኤል ዳግማዊ ሙሴ ዝበሃልሉ ምክንያት ካብ ገዳም ኣቡነ ሳሙኤል ዋልድባ ኢትዮጵያ ናብ ሃገርና ኤርትራ እናተመልሱ እንከለዉ ከምቲ ባሕሪ ኤርትራ ንሊቀ ነቢያት ሙሴ ምስ ኩሎም ህዝቢ እስራኤል ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ዘሕለፎም፡ ንኣቡነ ሰይፈሚካኤል ውን ምስ ኣርድእቶም ውሑጅ ሩባ ተከዘ ኣብ ክልተ ብምኽፋል ብድሩቅ መሬት ከምዘስገሮም መጽሓፈ ገድሎም ይሕብር። ካብታ ታሪኽ ዝተሰርሐ መዝሙር ኣብዚ ሊንክ ኣሎ https://youtu.be/k0gyWdveYL0?si=Jdy9O46TKtVS7rNH ዳግማዊ ሙሴ !

Lees meer »

ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት

ወርሓዊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ዘወርሓ ጥቅምት፡በዚ ዕለት እግዚአብሔር ንቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ናብ ነቢይ ሳሙኤል ብምልኣኽ፡ ናብቲ ኣብ ቤተ ልሄም ዝነብር ዝነበረ ኣቦ ዘማራይ ዳዊት ዝኾነ እሴይ ኽከይድ እሞ ካብ ደቂ እሴይ ንእስራኤል ዘመሓድር ንጉስ ክቀብዕ ለኣኾ። ነቢይ ሳሙኤል ከኣ ብመሪሕነት ሊቀ መላእክት ናብ እሴይ ከይዱ ካብ ኩሎም ደቂ እሴይ መሪጹ ንንጉሥ ዳዊት ቅብኣ ንግሥነት ቀብኦ። ቅዱስ ሚካኤል ከኣ ንዘማራይ ንጉስ ዳዊት ኣብ ምሉእ ዘመኑ ይረድኦ ነበረ።

Lees meer »