ሰሙነ ሕማማት ሰሉስ : ህላዌኡ ብሕቶ ንዘይብጻሕ

ህላዌኡ ብሕቶ ንዘይብጻሕ፣ መስቅላዊ ሕቶ ሓተቱ! 

ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን

ሕይወት ደቂ ሰባት ብሕቶ ዝተመልአ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ግን፣ ስዉር ዝብሃል የለን። ብሰንበት ቤት መቅደስ ኣንጺሁ ንዕኦም ምስጓጉ፡ ብሰኑይ ድማ በለስ ምርጋሙ ስለ ዘይተሓጎሱ፡ ምኽንያት መኽሰሲ ንምርካብ ነቲ "ማእምረ ኩሉ" ከምዚ ክብሉ ሓተትዎ።

 "እዚ ኩሉ ትገብሮ ዘለኻ ብናይ መን ሥልጣን'ዩ"፧  (ማቴ.21፥ 23-27- ማር.11፥27-33- ሉቃ.20፥1-8)

ሕቶ ዘልዓልሉ ክምልሰሎም ጠፊእዎም ዘይኮነስ፡ ምስ መንግሥትን ምስ ሕዝብን ንኸብኣስዎ ብተንኮል ዝተኣልመ ነበረ። ማለት፦ ብናተይ ሥልጣን እንተበሎም ምስ ንጉሠ ሮም፡ ብናይ አምላኽ ሥልጣን እንተበለ ድማ ምስ ሕዝቢ፡ አምላኽና ቤት መቅደስና ዝግምጥል፡ በለስና ዘንቅጽ ኣይኮነን ኢሎም፡ክልዓሉ ምግባር ነበረ። 

ጐይታ ግን ንሕቶ ብሕቶ መሊሱ "ጥምቀት ዮሓንስ ካበይ እያ፧ ካብ ሰማይ ዶ ወይስ ካብ ምድሪ" ፧ ክብል ሓተቶም። ንሳቶም ድማ ንሓድሕዶም ተዛራሪቦም “ካብ ሰማይ እንተበልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧ ክብለና እዩ። ካብ ሰብ እንተበልናዮ ከኣ ንዮሐንስ ኩሎም ከም ነቢይ ይቘጽርዎ ስለ ዝነበሩ ንሕዝቢ ፈርሑ። “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ። ጐይታ ድማ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸምዝገብር፡ ኣይነግረኩምን፡ በሎም። (ማቴ. 21፥23-27)። በዚ ድማ ሓፊሮም ተመልሱ።

በዚ ምኽንያት ድማ ዕለተ ሰሉስ ናይ ሕቶ መዓልቲ ተባሂላ ትጽዋዕ። ሒዝናዮ ዘለና ሱባኤ ብተንኮል ዝተበገሰ ሕቶ ዘይኮነስ፡ ብቅንዕናን ሠናይ ድሌትን ዝተበገሠ ዘይፍትሑ ዝመስሉ ግድላት ሕይወት ነፍስን ሥጋን መልሲ ንረኽበሉ። ንሥጋና በረኸት፡ ንነፍስና ዕረፍቲ ዝህብ ክኾነልና ቅዱስ ፍቃዱ ይግበረልና።

"ለከ ኃይል ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለም"!!

 

በሕማማቱ ይቤዘወነ!!

ኣዳላዊ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ቤ/ክ/ደ/ሰ/ መድኃኔዓለም ኣ/ኣ (ኣምስተርዳም)