መዓልቲ ፍቑራት

መዓልቲ ፍቑራት

ፍቕሪ ከመራ ስቃይ፡ ውርደት፡ ክሳዕ ሞት ዝኽፈል ዓቢ መስዋእቲ ዝሓትት ከቢድ ቃል እዩ። ፍቕሪ ማለት ከምዚ ዓለምና እትገብሮ ዘላ ቀይሕ ዕንበባ ምሃብ ዘይኮነ ቀይሕ ደም ምኽፋል እዩ። ፍቅሪ ንዝፈትዉኻ ምፍታው ዘይኮነ በጃ ዝበደሉኻ ህይወት ምክፋል እዩ። እዚ ካብቲ መድኃኔዓለም ክርስቶስ ኣብዚ ዕለት ስለና ዝከፈሎ ብቃላት ዘይግለጽ ፍቕሪ ብውሑድ እዩ። ስለዚ ምእመናን እታ ክርስቲያን ብግቡእ ከነኽብራ ዝግባእ መዓልቲ ፍቁራት ዕለት 27 መጋቢት ግእዝ ወይ ዓርቢ ስቅለት እያ። ፍቅሪ ማለት ቁስሊ እዩ።

ክርስቶስ ብፍቕርና ቆሰለ ንሓዋርያት ድሕሪ ትንሳኤ ኣብ ዝተገልጸሎም ግዜ ንሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ንዓ ዝተወግአ ጎነይ ዳህስ እሞ እመን በሎ። ክርስቶስ ኣነ ክንድዚ ዓመት ዝመሃርኩኻን ዝመገብኩኻን ረሲዕካኒ ዲካ ኣይበሎን ነታ ናይ ፍቕሪ ምልክት ዝኮነት ምልክት ርግዘተ ጎቦኁ (ብጎኒ ዝወግእዎ) እዩ ዘርኣዮ። ሓዋርያ ዝተወግአ ጎኑ ምስ ዳህሰሰ ኣመነ። ኣብ ታሪኽ ቅዱስን ኣበው ሓደ ቅዱስ ኣቦ ንሓንቲ ስለክርስቶስ ክትብል ብዙሕ ዝሓመመት ናይ መንፈስ ሓብቶም ክበጽሕዋ ምስ ከዱ እዚ እዩ ቁስለይ ረኣይዎ ዓጽመይ ይርአ ኣሎ ምስ በለቶም፡ "ኣነ ኣብ ውሽጢ እዚ ቁስሊ ዓጽሚ ዘይኮነስ ገነት እየ ዝርኢ ዘለኩ" ኢሎም መለሱ።

ስለዚ ህዝበ ክርስቲያን ስለክርስቶስ ኢልና እንከፍሎ ኩሉ ዋጋ ኣለዎ ካብ ግዜና ካብ ጉልበትና ካብ ገንዘብና ይኹን ብዝተፈላለየ ኣጎልጉሎት እንኸፍሎ ዋጋ ኣለዎ ምናልባግ ዋግኡ ብዓይና ኣይርአን ይኸውን፡ ኣብ ህይወትና ብዓይኒ እግዚአብሔር ቅዱሳኑን ግን ኣብ ህይወትና ገነት እያ እትርአ። መድኃኔዓለም ክርስቶስ ነታ ዕጸ በለስ ብምብላዕና ዝገደፍናያ ገነት ቅዱስ ሥጋኡ ቆሪሱ ክቡር ደሙ ኣፍሲሱ እንኹም ብልዑ ኢሉና። ብብልዒ ዘጥፋእናዮ ክብሪ ብምብላዕ ክንመልሶ ፈቀደልና። ደቂ ሰባት ግን ኣይትብልዑ ክንበሃል ቀንጢብና በሊዕና ሞት ነምጽእ፡ ብልዑ ክንበሃል ድማ ኣይንበልዕን ብምባልና ሞት ነምጽእ ከመይ ዝገርም ጠባይ እዩ ዘለና ፧ 

ዝተኸፍለልና ዋጋ ተረዲእና ብንስሓ ተመሊስና ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ብምክፋል ህይወት ክንረኽብ እግዚአብሔር ምስትዓል ይሃበና።

 

ብሕማማቱ ይቤዘወና !

 

ኣዳላዊ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ቤ/ክ/ደ/ሰ/ መድኃኔዓለም ኣ/ኣ (ኣምስተርዳም)