ኣብ ደብረ ታቦር ዝተገልጸ መለኮታዊ ብርሃንን ክብሪ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ብምዝካር ዓመት መጸ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብቶም ዓበይቲ በዓላት ጐይታ ብምባል ብ13 ነሓሰ ይበዓል። እዚ በዓል እዚ ብኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብፍሉይ እዩ ዝኽበር።
ኣብ ዓድና ክረምቲ፡ ልምሉም ቆጽሊ ልሙዕ ሳዕሪ፡ ንዓይኒ መዕረፊ ንኣፍንጫ ጥዑም ሽታ ዘለዎም ዕንበባባታት ዝጅምርሉ ምስ ምዃኑ ዝያዳ ተዘካሪ ይገብሮ። ደብረ ታቦር ጐይታና ምስጢር መለኮታዊ ብርሃን ዝገለጸሉ መዓልቲ ስለ ዝኾነ ምስ ምግላጽ ተተሓሒዙ ብዙሕ መለኮታዊ፡ምሥጢር ምብቃዕ ቀዳመይቲ ኪዳንን ምትክል ካልኣይቲ ኣማናዊት ኪዳንን የነጽር። ስለ ዝኾነ ድማ ሕቶ ምስራሕ ስለስተ ዳሳት (ድንኳን) ቅዱስ ጴጥሮስ ተቀባልነት ዘይረኸበ።
ደብረ ታቦር ምስ በዓላት ማርያ ጥቃ ጥቃ ስለ ዝኾነ፣ ጸልማት ክረምቲ ሓሊፉ ናብ ብርሃን፡ ናብ ጥበብ ይመርሕ ክሳብ ወጋሕታ፤ ሰማይ ካብ ደበና ናብ ድሙቕ ዝቕየርሉ እዋን ስለዝኾነ "ድሕሪ ደርሆ ነቆ የለን ለይቲ፡ ድሕሪ ደብረ ታቦር ድማ የለን ክረምቲ እናተባህለ ይምሰል እዩ" ። ዳርጋ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሃገርና ኣመንቲ ብለይቲ ሽግ የብርሁ። እዚ ኣብነት ናይቲ ኣብ ደብረ ታቦር ዝተራእየ መለኮታዊ ብርሃን ምሳሌ እዩ።
ርሑስ አውድአመት ይግበረልና!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር