ጎይታናን መድሐኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘመነ ስጋዌኡ ካብ ዝመሃረና ሓደ ካብ ዓበይቲ ትምህርትታት ሓጢኣትና ከይረኣና ብዛዕባ ናይ ካልኦት ሓጢኣት ክንፈርድ ከምዘይብልና እዩ። ፍቁረ እግዚእ ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ወንጌሉ ካብ ዝጸሓፎ ብዛዕባ እታ ክትዝሙ ዝተረኽበት ሰበይቲ እስከ ንመልከት። እቲ ቃል ከምዚ ይብል። "መምህር እዛ ሰበይቲ እዚኣ ክትዝሙ ከላ ተታሒዛ ከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ክትቅተል ሙሴ ኣዚዝና ኣሎ፡ ንስኻ ኸ ብዛዕብኣ እንታይ ትብል ፧ በልዎ። ዮሐ፡ 8፡ 4-5
እዚ ሕቶ እዚ ብተንኮል ዝተኣልመ ምኳኑ ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሐንስ ባዕሉ "እዚ መኽሰሲ ምእንቲ ክረኽቡሉ ክፍትንዎ ኢሎም ዝተዛረብዎ ነበረ" ክብል ኣብሪህዎ ኣሎ። ጎይታ ኢየሱስ ዝኮነ መልሲ ከይሃቦም ደኒኑ ኣብ ምድሪ ክጽሕፍ ጀመረ።
ንሕና ደቂ ሰባት ዝበዛሕና ብዛዕባ በደል ብጻይና ምዝራብ ኣዚና ኢና እንህወኽ፡ ብዛዕባ በደልናን ሓጢኣትናን ምንዛዝ ግን ዓመታት ይወስደልና ጥራሕ ዘይኮነስ ንገሊኡ በደልና ብሰንኪ እገሌ እናበልና፡ ንገሊኡ ሓጢኣትና ኣቅሊልና እናረኣና፡ ገሌና ውን ሎም ጽባሕ ክንብል ከይተነሳሕና ናይ ምንባር ዘመና ዘብቅዕ ብዙሓት ኢና። ብኣንጻሩ ቅዱሳን ኣቦታትናን ኣዴታትናን ግን ንዝበደልዎ ዘይኮነስ ወላ ንዘይበደልዎ በደል እዚ በዲልኩም ዝብል ብሓሶት ዝኸስስ እንተ ረኸቡ ንዘይበደሎም ከም በደሎም ተቀቢሎም ቆኖና ዝቅበሉ እዮም ነይሮም። ነዚ ንምርዳእ ታሪኽ ናይ ቅድስት እንባ መሪና ምርኣይ ይከኣል እዩ። እዚ ድማ ካብ መምህርናን ጎይታናን መድሐኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተማህርዎ እዩ። ኣብዚ ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ ጽሒፍዎ ዘሎ ታሪኽ ምስ እንምለስ እቶም መምሃራን ሕግን ፈሪሳውያንን ነታ ሰበይቲ ፍርዲ ክህባ ደጋጊሞም ምስ ሓተትዎ፡ ቅንዕ ኢሉ "ካባኻትኩም እቲ ሓጢኣት ዘይብሉ ቅድም እምኒ ይደርብየላ" ኢልዎም ከም ብሓድሽ ደኒኑ ኣብ ምድሪ ብኣጻብዑ ይጽሕፍ ነበረ። መተርጉማን ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መጽሐፈ ትርጓሜ ኣርባዕቱ ወንጌላት እቲ ጎይታ ኣብ ምድሪ ዝጽሕፎ ዝነበረ፡ ናይ እገሌ ሓጢኣት ከምዚ እዩ ናይ እገሌ ድማ ከምዚ ኢሉ ምስ ጸሓፈ፡ ነፍሲ ወከፎም ሓጢኣት ገዛእ ርእሶም ኣብ ገጽ ብጻዮም ተጻሒፉ ክርአ ገበረ። ኢሎም ተርጒሞሞ ኣለዉ። ብድሕሪ እዚ ቅንዕ ኢሉ ምስ ረኣየ ኩሎም ሓጢኣቶም ምስ ረኣዩ በብሓደ መሊቆም ከይዶም እታ ዝተኸሰት ሰበይቲ ንበይና ጸንሓቶ። "ቅንዕ ኢሉ ከኣ "ኣቲ ሰበይቲ እቶም ከሰስትኪ ደኣ ኣበይ ኣለዉ ዝፈርደኪ ዶ የልቦን በላ። ንሳ ድማ ሓደ እኳ የልቦን ጎይታይ በለቶ ጎይታ ኢየሱስ ድማ ብዓይኒ ምሕረቱ ጠሚቱ "ኣነ ውን ኣይፈርደክን እየ" በላ ይብል። ዮሐ. 8፡ 10-11
ስለዚ ምእመናን ነፍሲ ወከፍና ኣስማትናን ሓጢኣትናን ኣብ ምድሪ ተጻሒፉ ኣብ ገጽ ብጻይና እኳ እንተዘይተነበ ግን ብዙሕ ሓጢኣት ኣለና እዩ እሞ ኩልና ንስሓ ንእቶ። ቅድሚ በደል ብጻይና እናረኣና ብግህዶ ይኩን ብውሽጥና ንኸስስ ነፍስና ብንስሓ ኣብ ካህን ነመርምር። እዚ ዘለናዮ ጾም ናይ ንስሓ ናይ ቅድስና ጾም ይግበረልና መድሐኔዓለም።
ይትባረል እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ ቅዱሳን !
ኣዳላዊ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ቤ/ክ/ ደ/ሰ/መድሐኔዓለም