ኣቦና ደሓን ኣሎ ንሕና ግን

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዮሴፍ ወዲ ያዕቆብ ብኣሕዋት ናብ ግብጺ ተሸይጡ ምስ ከደ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኣሕዋቱ ኣብ ዓዶም ጥሜት ኮይኑ ስንቂ ከምጽኡ ናብ ግብጽ ከምዝከድዎ እሞ ንሱ ድማ ኣሕዋቱ ምኳኖም ምስ ኣረጋገጸ "እቲ ሽማግለ ኣቦኩም ከመይ ኣሎ ኽሳዕ ሎም ዶ ብህይወት ኣሎ፧" ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ ሓዎም ምኳኑ ከየስተውዓሉ ኣቡና ደሓን ኣሎ፡ ኢሎም መለሱ። ዘፍ. 43፡27
ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ናብ ጻድቅ ኣቡነ ኣረጋዊ ንምብጻሕ ናብ ደብረ ዳሞ ኣብ ዝከደሉ ግዜ ነቶም ኣርድእት ናይ ጻድቅ ኣቡነ ኣረጋዊ ብተመሳሳሊ ቃል፡ እቲ ኣረጋዊ ኣቦኹም ከመይ ኣሎ ፧ "ዳኅንኑ ዝስኩ ኣረጋዊ ኣቡክሙ" ኢሉ ሓተቶም። እዚ ቃል ናይ ቅዱስ ያሬድ ግን ግዝያዊ ሕቶ ኮይኑ ኣይተረፈን። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማኅሌት ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ እናዘየመቶ ንዘልኣለም ትነብር ኣላ። እምበኣር እዚ ሕቶ ናይ ማኅሌታይ ቅዳስ ያሬድ ናባና በጺሑ ኣሎ። መልስና ብርግጽ ከምቲ እቶም ቀዳሞት ዝተሓቱ ሰባት ዝመለስዎ ኣቦና ደሓን ኣሎ፡ ኣቦና ብህይወት ኣሎ ዝብል'ዩ ክኸውን። ምክንያቱ ኣቦና ጻድቅ ኣረጋዊ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ ንእግዚአብሔር ዘስመረ ፈታው ኣምላኹ ኣምላኹ ዘኽበሮ ክሳዕ ዕለተ ሎም ውን ሞት ዘይረከቦ ብህይወት ተሰዊሩ ዝነብር ዘሎ እዩ። ካብዚ ንላዕሊ እሞ እንታይ ደሓን ኣሎ፧ ስለዚ ኣቦና ደሓን ኣሎ። ብህይወት ውን ኣሎ። ኣቦናስ ደሓን ኣሎ ንሕና ግን ከም ደቂ ያዕቆብ ኣሕዋትና ብተንኮል ንሸይጥ፡ መግቢ ስጋ ክንምእርር ኣብ ትሕቲ ፈርኦናት ንግዛእ ኣለና። ኣቦና ጻድቅ ኣረጋዊ ብሰናይ ተግባሩ እግዚአብሔር መሪጽዎ ካብ ሞት ተሰዊሩ። ንሕና ግን ብእከይ ግብርና ካብ ኣቦና ተሰዊርና ንነብር ኣለና። ኦ ጻድቅ ኣቦና ኣረጋዊ ንሕና ደቅካ ብሓጢኣትና ንዝሃነጽናዮ እምባ ብጸሎትካ ዳህምሞ፡ ከምቲ ዮሴፍ ካብ ንጉስ ፈርኦም ኣማሊዱ ንኣሕዋቱ ዝዓንገለ፡ ንዓና ደቅኻ ካብቲ ናይ ነገስታት ንጉስ ዝኮነ መድኃኔዓለም ብቅዱስ ስጋኡን ብክቡር ደሙን ክንዕንገል ኣማልደልና።

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ ቅዱሳን !

መበገሲ ጽሑፍ -መጽሓፍ የግዮን ወንዝ (ብዲያቆን ሄኖን ሃይለ)

ኣሰናዳኢ ክፍሊ ስበከተ ወንጌል
ቤ/ክ/ደ/መድኃኔዓለም ኣምስተልፌል ኣምስተላንድ (Amsterdam)