ጎይታ ካብ ቢታንያ ከይተመልሰ ቤት መቅድስ ነጽርያ

ጎይታናን መድሐኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ስጋዌኡ ኣብ ዘመነ ስብከቱ ብግብሪ ካብ ዝመሃረና ትምህርቲ ሓደ ምጽራይ ቤት መቅደስ እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ግን ብዛዕባ እታ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቤት መቅደስ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብቀዳምነት ብዛዕባ እታ ቤት መቅደስ እግዚአብሔር ዝተሰምየት ሰብነትና ምኳኑ ምስትውዓል የድሊ።
"ኢየሱስ ኣብ ኢዮሩሳሌም ኣብ ቤት መቅደስ ኣተወ፡ ንኩሉ ግልጽ ኢሉ ምስ ጠመቶ፡ መስዩ ነበረ እሞ ምስቶም ዓሰርተ ክልተ ደቂ መዛምርቱ ናብ ቢታንያ ወጽአ። ማር.11፡11
ጎይታናን መድሐኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኩሉ ዝምርምር ንምርኣይ ይኩን ንምስማዕ ናብ ዝኮነ ምኻድ ዘይደሊ እኳ እንተ ኮነ፡ ንዓና ንምምሃር ግን ናብ ኢዮሩሳለም ከይዱ ንኩሉ ርእዩ ዝኮነ ቃል ከይተዛረበ ናብ ቢታንያ ወጽአ።
ጎይታይ ሎምስ ኣብታ ቤተ መቅደስ ዝተሰምየት ነብስና ምስ ጠመትካ እንታይ ኮን ርኢካ ትኸውን፧ ክንደይ ናይ ሓጢኣት ኣቅሑት ክንሸይጥ ጸኒሕናካ ንኸውን፧ ክንደይ ዝኮኑ ናይ ፖለቲካ ኣብዑር፡ ክንደይ ናይ ዓሌትነት መልእክቲ ዘብጽሓ ረጋቢት፡ ክንደይ ናይ ወረን ሕሜታን ዘሽርፍ ሰደቃታት ጸኒሕካ ይኸውን፧
ወንጌላዊ ቅዱስ ማርቆስ ቀጺሉ "ጎይታ ኢየሱስ ናብ ኢዮሩሳሌም ከምዝተመልሰን ነቶም ኣብ ቤት መቅደስ ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝጸንሕዎ ድማ ንኩሉ ንብረቶም ደንኪሉ ንቤት መቅደሱ ኣጽርዩ ቤተይ ቤት ጸሎት እያ ኢሉ ከምዝመሃሮም ብሰፉሒ ይገልጽ። ማር. 11፡ 15 -17
ኦ ጎይታ ከምቶም ሰብ ኢዮሩሳሌም ትዕዝብትኻ፡ ከየስተውዓልና ብንስሓ መቅደስና ከየጽሬና ከይንጸንሕ ብምሕረትካ ርድኣና፡ ንጹህ ልቢ ብፍጠረልና። ከምቲ ሊቀ ሃዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ለይቲ ሓሙስ ግልጽ ኢልካ ምስ ጠመትካዮ ንምጥማትካ ኣስተውዒሉ፡ ብቅጽበት ብብዙሕ ሓዘንን ንብዓትን ንስሓ ዝኣተወ እሞ ዝተማሕረን ብዓጸፌታ ዝከበረን፡ ንምጥማትካ ኣስተውዒልና ንስሓ ክንኣቱ፡ ብምሕረትካ መንግስትኻ ክንወርስ ኣዕንተ ልቦናና ኣብርህ።

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ ቅዱሳን!


ክፍሊ ስብከተ ወንጌል
ቤ/ክ/ደ/ሰ/ መድሐኔዓለም ኣምተልፌልን ኣምስተላንድ (Amsterdam)